ናብ ናትና ዳህሳስ-ርእይቶ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም።
ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ [VluchtelingenWerk Nederland (VWN)] ኣብ ኔዘርላንድ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝሕለቕ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። VWN ንስደተኛታት ዝዓለመ መርበብ-ሓበሬታ ኣለዎ፡ RefugeeHelp ድማ ይበሃል። ኣብዚ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር ዝምልከት ዘተኣማምንን ገለልተኛን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንሕና ኣብ RefugeeHelp ንርእይቶኻ ልዑል ክብሪ ንህቦ ኢና። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ንዘለካ ናይ ሓበሬታ ድሌታት ብዝበለጸ ከነማልእ ንኽእል።
ነዚ ዳህሳስ-ርእይቶ ንምምላእ ኣስታት 10 ደቓይቕ እዩ ዝወስድ።
እቲ ዳህሳስ-ርእይቶ ነዚ ዝስዕብ ዝምልከት እዩ፡
- RefugeeHelp
- ናይ ሓበሬታ ድልየታትካ
- ዲጂታላዊ ክእለት
- ማሕበራዊ መራኸቢታት
ኣብዚ ዝርዝር-ሕቶታት እትህቦም መልስታት ኩሎም ምስጢራውን ስም-ኣልቦን እዮም።
ኣስተውዕል፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብመንገዲ እዚ ዝርዝር-ሕቶታት ብውልቂ ክንሕግዘካ ወይ ንዝሃብካዮም መልሲታት ምላሽ ክንህበካ ኣይንኽእልን ኢና።
ሓደ ካብቶም ናይ €25 ናይ ህያብ ቅብሊትታት፣ ንምዕዋት ዕድል ክትረክብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ነቲ ዝርዝር-ሕቶታት ቅድሚ 4 ሓምለ 2025 ምልኣዮ፣ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝርዝር-ሕቶታት ድማ ናይ ርክብ ሓበሬታታትካ ኣካፍለና። ነዚ ናይ ርክብ ሓበሬታታት ንተሳታፊ ሽልማት ንምሃብ ብዕጫ ንምምራጽ ጥራይ ኢና ክንጥቀመሉ።
እምበኣር ብዛዕባኻ ገለ መሰረታዊ ሓበሬታ ብምሕታት ንጀምር፡